ዙራ'ሞ ሃገርካ - ኣውስትራልያ፣ ክቡር ሃብቲ ማያን ፍሉይ ክሊማኣን

Coral on the Great Barrier Reef - Image Greening Australia

Credit: Greening Australia

ኣውስትራልያ፣ ምስ ልዑል ዝኾነ ፍልልያት ኣብ ዝናብ፣ ሙቐትን ተርእዮታት ኩነታት ኣየርን ኣብ መላእ’ቶም ዝተፈላለዩ ዞናታት ክሊማን ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእን፣ ካብ ኩለን ሰብ ዝነብረለን ኣህጉራት እታ ዝደረቐት’ያ። ካብ ትሮፒካዊ ሰሜን ክሳብ ተምፐረይት ደቡብ፣ ትሮፒካዊ ህቦብላታት፣ ምዕልቕላቓት፣ ማዕበላት ሙቐትን ደርቅን ዘካተቱ፣ ኣውስትራልያ ብተወሳኺ ብዙሓት ጠርዝታት ዝሓዙ ክቱራት ኩነታት ኣየር የጋጥምዋ። ክሊማ ኣውስትራልያ ነቶም ብዙሓት ዝዓይነቶም ኢኮሲስተምስ ይቐርጾም፣ ብዙሓት ካብ’ኦም ብምኽንያት ሕጽረት ማይ ብቐሊሉ ክዓንዉ/ክፈርሱ ዝኽእሉ’ዮም። ክሊማዊ ለውጢ፣ ባርዓት ጣሻን ደርቅን ብተወሳኺ ነዚኦም ከባቢታት የስግእዎም፣ ነዚኦም ንምዕቃብ ከኣ ኣድላይነት ጻዕርታት ስርሓት ምዕቃብ ኣጉሊሖም የርእዩ።



Share