ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን መትከል ኢዮብ ኣብ ኣልጀርያ ካልኣይ ወጺኦም፣ ጎትይቶም ገብረስላሰ ኣብ ማንቸስተር ተዓዊታ፣

SBS Sport Tigrinya Logo.jpg

Credit: SBS

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/05/2024) * ኣብ ዪጂን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ’ዚ ርሕቀት ብምምዝጋብ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ጎትይቶም ገብረስላሰ ከኣ ኣብ ዓቢይ ጉያ ማንቸስተር ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ከለን መትከል ኢዮብ ከኣ ኣብ ኣልጀርያ ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኦም፣ * ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ታደይ ፖጋቻር ንፈለማ ግዚኡ ክዕወት’ንከሎ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄር ንኡድ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ወይ ኤፍኤ ካፕ ዘይትጽቢታዊ ውጽኢት ተመዝጊብዎ ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ቀዳም ምሸት ተዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡን ኸኣ ድሕሪ’ዚ ዓወታ ናይ ኤውርጳ ቦትኦም ብዩናይትድ ተመንጢሎም ኣብ ኤውሮጳ ክጻወቱ ዝነበሮም ሕልሚ መኺኑ፣



Share