ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንብኦት 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 27 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መዓልቲ ባጀት (14 ግንቦት 2024) መንግስቲ ኣብ ደሞዛት ገለ ጽላታት ወሰኽ ብምግባርን ንመቃለሊ ክብሪ ናብራ ዝኸውን ብላዕሊ ብምሃብን ለጋስ እየ ኢሉ ዝቐረበላ ኔራ። እቶም ንማሕበረሰብና ብውልቂ፣ ብስድራ ይኹን ብንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ መጠን ጠቒሞም ዝበሃሉ ግን እንታይ እንታይ ኔሮም፧ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም መብርሂ ሂቡ ኣሎ። 24 ግንቦት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላን ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ብዛዕባዚ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሃመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ። ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ክባራት ኣእማንን ስግኣት ፀጥታን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾኑ መንግስቲ ትግራይ ኣሚኑ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሓማስ ብሰንበት [27 ግንቦት] ኣብ ቴል ኣቪቭ ፡ እስራኤል ፡ ሓያሎ ሮኬታት ተኲሱ ። ኣብ ፐርዝ፡ ኣደ ምስ ጓላ ብናይ ቀደም ኣፍቃሪ መሓዛኣ ዝነበረ ተቐቲላ፡ ቀታሊ'ውን ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ።



Share