'ንመብራህቲን ገዛ ኽራይን መንግስቲ ክሕግዝ'ዩ፣ ኣብ ምእላይ ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ደሞዞም ክውሰኽ'ዩ' - መብርሂታት ብዛዕባ ባጀት 2024/25 ካብ ኣቶ ያሲር ዓብዱራሒም

Yasir Abdurahim.jpg

Credit: Mr Yasir Abdurahim

መዓልቲ ባጀት (14 ግንቦት 2024) መንግስቲ ኣብ ደሞዛት ገለ ጽላታት ወሰኽ ብምግባርን ንመቃለሊ ክብሪ ናብራ ዝኸውን ብላዕሊ ብምሃብን ለጋስ እየ ኢሉ ዝቐረበላ ኔራ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እዚኦም ወሰኻት መጠን ዝቕባበ ንላዕሊ ከይሰድዎ ስግኣታት ኔሮም። እቶም ንማሕበረሰብና ብውልቂ፣ ብስድራ ይኹን ብንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ መጠን ጠቒሞም ዝበሃሉ ግን እንታይ እንታይ ኔሮም፧ ብዛዕባ'ዚ ቁሩብ መብርሂ ዝህበና ኣገልግሎታት ምድላይ ስራሕ ሞይኡ ዝኾነን ኣብ ደገፋት ንማሕበረሰብ ብወለንታ ዝነጥፍን ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም'ዩ። ሰናይ ምክትታል።



Share