"ሕልመይ ካብ ማ/ሰብና ተወዳደርቲ ሓምበስቲ ቆልዑ ምፍራይ'ዩ።" ሶፊያ ኢዮብ ካብ ተመሃሪት ናብ መምህር ምሕምባስ

Swiming teacher Sophia Eyob

Sophia Eyob Source: Supplied

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ያ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኣ። ካብ ኣፍሪቃ ክትመጽእ'ከላ ምሕምባስ ኣይትኽእልን ኔራ። ናይ ዲግሪ ትምህርታ እናተማህረት፡ ከም መዕረፊን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክኾና ምሕምባስ ተማሂራ ንመሐንበሲ ከባቢታት ትዘናግዓሉ ስፍራ ጌራቶ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሲ'ቲ ብዝተመረቐትሉ ሞያ ትሰርሓሉ ስራሕ፡ መምህር ምሕንባስ ቆልዑ ኮይና ትሰርሕ ኣላ። ጥቕሚ ምሕምባስ ኣዕሊላትና ኣላ።



Share