ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብ10 ተጻወቲ ዝመከተት ኢትዮጵያ ብጸቢብ ተሳዒራ፣ ኮኾብ ቴኒስን ሓተትቲ ዑቕባን ብሓባር ተዳጒኖም

Ethiopia conceded a goal late in the first half againt Cape Verde

Source: AFCON

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (10/01/2022) * ዝሓለፈ ሓሙስ ኣካል ዑደት ጉያ እግሪ መሮር ኣትለቲክስ ዓለም ዝኾነ ዓመታዊ ውድድር ካምፓቺዮ ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶሞ፡ * ካሜሩን ድሕሪ 50 ዓመት ደጊማ ተአንግዶ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2021 ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ንሓደ ዓመት ተመሓላሊፉ ድሕሪ ምጽናሕ ሰንበት ክካየድ ተጀሚሩ፡ * ኮቪድ ዝሓመሰን ሃገራዊያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ሰንከልከል እናበላ ኣብ ካሜሩን ኣትየን፡ * ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ ግጥማ ኣንጻር ኬፕ ቨርደ ኣካይዳ ብ10 ተጻወቲ ብጸቢብ ሓደ ብባዶ ተሳዒራ፡ * ቁጽሪ ሓደ ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ዓለም ሰርቢያዊ ኖቫክ ጆኮቪች ውሳነ ይግባይ ዝተኸልከለ ቪዝኡ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ነዊሕ ዓመታት ዝተዳጎኑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝዕቆብሉ ሆቴል ክጸንሕ ስለዝተገብረ ኩነታቶም ዓለም ክትሰምዓሎም ዕድል ረኺቦም



Share